November 14, 2015

ገበናዊ ሕጊ ሃገረ-ኤርትራ
2015

ምርቃቕን ምድብታርን ገበናዊ ሕጊ ሃገረ-ኤርትራ

ገበናዊ ሕጊ ሃገረ-ኤርትራ 2015ብመሰረት ዓንቀጽ 2(4)(5) ናይ ሕጋዊ ምልክታ 14/1993 ሓላፍነት ምንዳፍን ምድብታርን ሕግታት ዝተዋህቦ ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ መሰረታውያን ሕግታት ንኺነድፍ መንግስቲ ኤርትራ ሓላፍነት ምስ ሃቦ፣ ምኵራት ኣህጕራውያን ሰብ ሞያ ገበናዊ ስርዓት ምስታ ብኤርትራውያን ክኢላታት ሕጊ ዝቘመት ኮሚቲ ምምሕያሽ ሕጊ ተዋሃሂዶም ንኺሰርሑ ንመስርሕ ምንዳፍ ገበናዊ ሕጊ ኣበጊስዎ።

እታ ዝቘመት ኮሚቲ ብሩህን፣ ኵሉ ተጠቃማይ ብዝርድኦ ኣጸሓሕፋ ንክብርታትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዝጠዓዓምን ገበናዊ ሕጊ ኸተዳሉ መምርሒታት ተዋሂብዋ። እዚ ብተኸታታሊ ኣኼባታትን ርክባትን እናተመስረሐ በቲ ሓደ፣ ኣብ ሕብረተሰብና ኽዝውተሩ ንዝጸንሑ ሕግታትን ከምኡውን ኣብ ተመኵሮታት ካልኦት ሃገራት ብዝተኻየዱ መጽናዕትታትን ከኣ በቲ ኻልእ፣ እናተደገፈ ናይ መጀመርያ ንድፊ ክቐርብ ክኢሉ።

ምቕራብ ናይቲ ንድፊ ተኸቲሉ፣ ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ ኣብቲ ንድፊ ኽወሃቡ ንዝኽእሉ ርእይቶታትን ሓሳባትን ንምእካብ ዝዓለመ፣ ኣብ ስርዓተ-ገበናዊ ፍትሒ ንዝዋስኡ ኣተግበርቲሕጊ ዘሳተፈ ኣኼባታት ኣቃኒዑ። ስዒቡ ከኣ፣ እቲ ንድፊ ንዘተን መመላእታን ቅድሚ ምቕራቡ ዳያኑ፣ ኣኽበርቲ ሕጊ፣ ጠበቓታት፣ መምህራን ሕጊ፣ መኰንናት ፖሊስን ካልኦት ሰብ ሞያ ሕግን ዝተሳተፍዎ ተኸታታሊ ኣኼባታት ተኻዪዱ።

ከም ኵሎም ስርዓተ-ሕግታት፣ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ኸኣ ኣብ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ንዚኽሰቱ ምዕባለታት ምእንቲ ኼንጸባርቕ በብእዋኑ ኺመሓየሽ እዩ። እዚ ሕጊ እዚ ሰላም፣ ርግኣትን፣ ጸጥታን ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘተኣማምን መሰረት ኣብ ምጥጣሕ ግደ ኺህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ።

ፈውዝያ ሃሺም
ሚኒስተር ፍትሒ
15 ግንቦት 2015

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie