December 3, 2016

ሓጺር መግለጺ ኣብ ሕጊ ስድራ

መእተዊ
ስድራቤት ኣብ ደቂ ሰባት ዓቢ ኣገዳስነትን ግደን ዘለዋ ትካል ኮይና፥ ቀንዲ ማሕበራዊ ጉጅለ ኢያ፣ ስድራቤት ብቅርጽን ዕማማትን ኣብ ቀጻሊ ምዕባለን ለውጥን እኳ ትርከብ እንተኾነት፥ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ንማሕበራዊ ህይወት ደቂሰባት ትጸሉን ትቕልስን፣ መላግቦ ናይ ማሕበራዊ ኮምን ሕብረተሰብን ድማ ኢያ። ስድራ ቤት ኣድማሳዊ ባህሪይ ዘለዋ ዝተሓተት ማሕበራዊ ኣሃዱ ናይ ደቂሰባት ኢያ፤ ብናይ ስጋዊ ዝምድና (ናይ ደም ምትእስሳር) ብመገዲ መውስቦ ትቐውም፣ ብወለድን ደቆምን ወይ ካብቲ ባህርያዊ ዝምድና ወላድን ውሉድን ወጻኢ ከም ውላድ-ጡብ ብምርዓም ብዝተዛመዱ ኣካላት እውን ትቐውም እያ። ስለዚ፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ስድራ ቤት ብመውስቦ ትቐውም። ኣቦን ኣደን ደቆምን ምስኦም ዚነብሩ ካብ ቤተሰብ ወይ ካልእ ኣካል እታ ቤተሰብ ዝኾኑ ከኣ ይርከብዋ።

ስድራ ቤት መሰረታዊትን ባህርያዊትን ኣሃዱ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ስለዝዀነት ሕብረተሰብ እኩብ ውልቀ ስድራቤታት እዩ ተባሂሉ ኪግለጽ ይከኣል። ክንዲ ዝዀነ ጥዑይ ስድራ ቤት መሰረት ጥዑይ ሕብረተሰብ ኮይኑ፣ ኣቃውማ ነፍስወከፍ ስድራ ብኣንጻሩ ምስ ዝኸውን ድማ ሕብረተሰብ ብኣሉታ ክጽሎ ናይ ግድን ይኸውን።

Latest Articles

መበል 35 ዓመት በዓል ናጽነትን ሓርነትን ዮሃና ነዚ...

في الذكرى الـ 35 للتحرير والاستقلال التحية لهذا الشعب وذاك الجندي...

Minister Osman Saleh’s Address on the Occasion of...