August 9, 2025

መቕድም መጽሓፍ
« ዘይተነግረ ገድሊ »
ተመኲሮ ገድሊ ክፍሊ ማሕበራዊ ጒዳያት ህ.ግ.ሓ.ኤ
ብሰለሙን በርሀን/ ተስፋኣለም የማነ

ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ መፈጸምትኡ ንኽበጽሕን እቲ መሪር ወተሃደራዊ ግጥማት ብዓወትክዛዘምን ዝኸኣለ፡ ማሕበራዊ መዳያት ናይቲ ነዊሕ ገድሊ ንናጽነት ዘዘንቱ መጽሓፍ፡ እነሆ ተዳልዩ ኣሎ። ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ምስ ካልኦት ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ብምንጽጻር፡ ፍሉይን ብርቅን ተመክሮ እዩ። ፍሉይነቱ ሓደ ውሑድ ህዝቢ፡ ብዘይ ዝጠቅም ግዳማዊ ሓገዝ፡ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተመርኲሱን ተኣማሚኑን፡ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ክድህኽ ዘንቀደ ግሎባዊ ስትራተጂን ዘሰነዮ ገዚፍ ወተሃደራዊ ዕንደራን ኣብ ነዊሕ ኲናት ጸሚዱ ብኣንጻባራቒ ዓወት ዝወጻሉ ታሪኽ ምዃኑ ኣዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ብኽብደቱን ምረቱን መዘና ዘይርከቦነዊሕ ቃልሲ ኣካይዱ፡ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዝተጎናጸፈ ህዝቢ

download

Latest Articles

መቕድም መጽሓፍ « ዘይተነግረ ገድሊ » ተመኲሮ ገድሊ ...

ታሪኻዊ ንጥፈታት ትምህርቲ ኣብ ማርያ ጸላም

Statement Delivered by the Delegation of Eritrea During...