October 3, 2026

መደረ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ መበል 81 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ክቡር ዶክተር ካሊሉር ራሕማን፡ ፕረዚደንት መበል 81 መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ.ሃ.፣
ክቡር ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣
ክቡራን መራሕቲ ልኡኻት፣
ዓመት-ዓመት፡ ኣብ ከም’ዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኣእምሮ ቅጅል ዝብል ሕቶታት፡ እንታይ ክበሃል’ዩ? ዓመት ድሕሪ ዓመት ናይ ዝመጸ ምዕባለታት ምጽብጻብ ድዩ? ከም ዝኾነ ድግስ፡ ናይ ህዝባዊ ርክባት ድርሳን ምስማዕ ድዩ? ዓመት-ዓመት ቀጻልነት ዘለዎ ስሩዕ ኣጀንዳታት ኣሎ ድዩ? እቲ መቓን (contex) እንታይ’ዩ? ተልእኾ ናይቲ መጋባእያ እንታይ’ዩ? መለክዒ ገስጋስ እንታይ’ዩ? ወዘተ …ወዘተ። ኣብ ዝሓለፈ መጋባእያታት፡ ኪኖ ምጥቃስ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚ ኣህገራዊ ውድብ ንምፍጣር ዝድርኽ፡ ሃንቀውታ ህዝብታት ንሰላምን ዕብየትን ራህዋን፡ …. ነቲ ሃንቀውታ ዘንቀለ ቀዳማይ ብደሆ (ቁጠባዊ በደል/injustice) ፡ ዕላማታት ህላወ ኣህጉራዊ ውድብ?

download

Latest Articles

كلمة وزير الشئون الخارجية السيد/ عثمان صالح أمام الدورة الـ 81...

መደረ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ መበል 81 ኣኼባ...

بيان وزارة الخارجية الارترية أثيوبيا ترتكب عملا عدائيا