September 28, 2021

መደረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ
ኣቶ ዑስማን ሳልሕ
ኣብ መበል 76 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

ክቡር ዓብደላ ሻሂድ- ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ
ክቡር ኣንቶንዮ ጉተረሽ – ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን
ንክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወኪለ፡ ዋላ’ኳ ብማንዛ እንተዀነ፡ ነዚ ግሩም ባይቶ ናይ ሃገራት መደረ ከስምዕ፡ ሓበን ይስመዓኒ። ቀጺለ፡ ክቡር ዓብደላ ሻሂድ – ፕረዚደንት መበል 76 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኴንካ ብምምዛዝካ፡ ብስም መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ዮሃና እብል። ክብደት ናይ’ቲ መዝነት ስለ እንግንዘብ ድማ፡ ምሉእ ደገፍና ነረጋግጸልካ። ብተወሳኺ፡ ቅድሜኻ ንዝነበረ ክቡር ቮልካን ቦዛኪር፡ ስለ’ቲ ብሱል መሪሕነቱን ዕዉት ምዝዛም መበል 75 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶን፡ ዕዙዝ ምስጋና ነቕርብ። ዝኸበርካ ፕረዚደንት ዘሎናዮ ግዜ፡ ወሳኒን ብብዙሕ መዳያት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥን ዘየላቡን እዩ። ዓለምና ብሰለስተ ከበድቲ ብድሆታት ኣብ ነውጺ ትርከብ። 1.ለበዳ ናይ’ቲ ገና ኣብ ሓያሎ ክፋላት ዓለም ሓለንጊ ቅዝፈት ዘዕርፍ ዘሎ ኮሮና ቫይረስ፣ 2.ንህላወና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ነውጺ ክሊማዊ ለውጢ፣ 3.እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ፡ ዲናሚካዊ ለውጢ ኣብ ኣህጉራዊ ሚዛን ሓይሊ ዝፈጠሮ ስግኣት ሓደገኛ ኣህጉራዊ ምትህልላኽን ናዕቢን።

download

Latest Articles

መልእኽቲ ህዝባዊ ግንባር ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 2026

الفاتح من سبتمبر البدايات وادوبحا

الفاتح من سبتمبر 1961 وتحولت شرارة الكفاح المسلح الى بركان جامح ـ...