May 22, 2021

መድረኻዊ ድሉውነት መንእሰያት

ንዓና ታሪኽ’ዩ ጻማና። ገና ንቃለስ ኢና ዘለና። “ከነዕርፍ ዲና ተፈጢርና ወይሲ ዕረፍቲ ክንፈጥር?” ኢልና እንተ ሓቲትና… ኩሉምሉ’ዩ። ዘይንሱ’ዩ ደኣ ፍሉያት ገይሩና። እምበር ከም ሃገር ንእሽቶ፡ ከም ህዝቢ ድማ ውሑዳት እንደኣልና! ዓለም ግና ንኣሽቱ ኢላ ኣይንዓቐትናን፡ ውሑዳት ኢላ’ውን ሸለል ኣይበለትናን። ሓቅና ክትዓብጥ ተቓሊሳ – ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን! ንሕና’ውን ተቓሊስናያ… ገና’ውን ንቃለሳ’ለና። እቲ ታሪኽ ፋሕ ስለዝበለ በበይኑ ይመስል’ምበር ኣይተቐየረን… ንሱ’ዩ እቲ ናይ ቀደም። እዛ ዓለም ዕፋፈታ እምበር ባህርይኣ ኣይቀየረትን፡ ትቕይር’ውን ኣይትመስልን። “እቲ ዝሓየለ ይሰርር!” በቃ ንሱ’ዩ ጭርሖ ዘንትእለት። ኣብዛ፡ ፍትሒ ኣብ ወረቐት ጥራይ ዝሰፍረላ ዓለም፡ ተሃሚልካ ኣይኰነን ዚንበር። እንታይ ደኣ ሓዪልኻ እዩ ዚኽበር። ንሕና ነዚ ሓቂ’ዚ ብዘረባ ኣይኰንናን እንፈልጦ። ሓይልና ከም ዘንብረና፡ ብቕዓትና ከም ዘድሕነና ቀደም ኢና ጐሪሕናሉ። ኣባሓጐታትና ብሰላማዊ ሰልፍታትን ጥርዓናትን ዝፈተኑዎ ሕቶ ናጽነት፡ ዶብ ስለ ዝገበሩሉ እምበር፡ ገና ክሳዕ ሕጂ ሓተትቲ ጥራይ ኴንና ምሃለና። ታቤላታት ሰቒልና፡ ድምጽና ኣበሪኽና “ናጽነት ይውሃበና!” እናበልና ንጭርሕ ምሃለና። መልሲ ዓለም ከኣ ኪንዮ ስቕታ ላም ኮይኑ መባጨወልና።

download

Latest Articles

Ethiopia: Belligerent Agenda of Regional Destabilization

الأجندة الأثيوبية لزعزعة الاستقرار الإقليمي

تدمير جبهة نادو وتحرير مدينة أفعبت في 19 مارس 1988 ابعاد ودلالات...