October 16, 2026

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ትማሊ 15 ጥቅምቲ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ማሕበረ-ሰብ፡ ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዒላማ ብምግባር ተካይዶ ዘላ ግህሰትን ጥሕሰትን፡ ከምኡ’ውን ጽልዋኡ ኣብ ሰላምን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መብርሂ ሂቡ። ሚኒስተር ዑስማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስርዓት ብልጽግና ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጀሚሩ፡ “ልኡላዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ” ናይ ምውናን ሕልሙ ኣብ ተግባር ንምውዓል፡ ኩሉ ዓይነት ኣማራጺታት እንተላይ ሓይሊ ክጥቀም ምዃኑ ብተደጋጋሚ መግለጺታት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅሉዕ