August 8, 2022

ምሕላው ሃገራዊ ረብሓታትን
ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ጻይ ግ፡ ኣብ ትሕቲ “ምሕላው ሃገራዊ ረብሓታትን ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን” ዝብል ኣርእስቲ፡ ብኣጋጣሚ መበል 95 ዓመት ምምስራት ‘ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ቻይና’ ናይ ዘዳለዎ ጽሑፍ ትርጉም እነሆ፦ ቻይና፡ ብ1 ነሓሰ ‘ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት’ ዝተመስረተሉ መበል 95 ዓመት ጸምቢላ። ‘ሰራዊት ሓርነት ቻይና’፡ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ኣብ ምግሃድ ታሪኻዊ ዕማም ሃገራዊ ናጽነትን ህዝባዊ ሓርነትን ክነጥፍ ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ 95 ዓመት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮምዩኒስታዊ ሰልፊ ቻይና፡ እቲ ሰራዊት ቀጻሊ ዓወታት ተጐናጺፉ። “ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ቻይና” ካብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳዕ ምምስራት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ንጽጉማት ወገናት ካብ ምሕጋዝ ኣትሒዙ ክሳብ ቍጠባዊ ህንጸት፡ ካብ ህጹጽ ረድኤት ክሳብ ቃልሲ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ-19፡ ቀጻሊ ኣበርክቶ ብምግባር፡ ካብ ህዝቢ ቻይና ልባዊ ደገፍ ረኺቡ። ሚዛኑ ዝሓለወ ወተሃደራዊ ጨናፍር ዝመስረተን፡ ምዕቡል መሳርሒታት ዝወነነን ሰራዊት ክኸውን ድማ በቒዑ ኣሎ። “ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ቻይና”

download

Latest Articles

تصريح اعلامي إثيوبيا تبحث عن ذرائع لشن الحرب وتتظاهر بالعدالة

Press Release – Ethiopia: Floating False Flags to...

ጋዜጣዊ መግለጺ ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ...