February 20, 2026

ብተመራማሪ ሙሳ ሕሴን ናይብ
ነዚ ብተመራማሪ ሙሳ ሕሴን ናይብ ዝተዳለወ መጽናዕቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ “ማእከል እስትራተጂያዊ መጽናዕቲታት ኤርትራ” ብ16 ሰነ 2016 ብቋንቋ እንግሊዝ ጥራሕ ኣውጺአዮ ነይረ። እቲ መጽናዕቲ ብዘለዎ ኣገዳስነት ብሓደ ወገን፡ ብ26 ጥሪ 2026 ዝተሰውአ ተጋዳላይ ሙሳ ናይብ ኣብ መዳይ መጽናዕቲን ምርምርን ንዘለዎ ተራ ንምዝኽኻር ድማ በቲ ካልእ ብትግርኛ ንዝርግሖ ኣሎና። ኩሉ ክጥቀመሉን ክፈልጦን ከኣ ዝምልከቶም ወገናት ንኩሉ ምርምራዊ መጽናዕቲታቱ ኣኪቦም ከሕትምዎ ንትስፎ። ህጻን ቀንዲ መሰረት ህንጻ ማሕበራዊ ፍትሒ ስለዝኾነ ኣብኡ ዝግበር ጥዑይ ልምዓት መሰረት መጻኢ ወልዶ እዩ።
ጽማቚ
መንግስቲ ኤርትራ ዝተማልአ ፕሮግራም ልምዓትን ክንክንን መድረኽ ህጻንነት ብናይ 49 ሚልዮን ዶላር ምወላ ኣብ መስከረም 2000 ኣበጊሱ። ዕላማ ናይ’ቲ ፕሮግራም ከኣ ትሕቲ