October 21, 2017

ራብዓይ መጽሓፍ – ውሳነ፣ ክሳራን ም’ቍራጽ ክስን
ቀዳማይ ኣርእስቲ – ውሳነ
ምዕራፍ 1. – ሓፈሻዊ ድንጋገታት

Part VII

ዓንቀጽ 263. – ውሳነ ዚወሃበሉ ግዜ

(1) ምስማዕ መርትዖ ምስ ተወደአ፣ ብተኸራኸርቲ ወገናት መግለጽን መልስን፣ እንተ ነይሩ፣ ምስ ተዋህበ፣ ቤት ፍርዲ ይውስን።
(2) ምስማዕ መርትዖ ምስ ተወድአ፣ ቤት ፍርዲ ብኡብኡ፣ ወይ ብድሕሪኡ ብዚከኣል ኣብ ዝቀልጠፈ ባዕሉ ዝውሰኖ መዓልቲ ቘጸራ ውሳነኡ ንሰብ ጕዳይ የስምዕ። እቲ ውሳነ ብኡብኡ ምስ ዘይወሃብ፣ ቤት ፍርዲ፣ ውሳነ ዚወሃበሉ ዕለት ንኸሳስን ንተኸሳስን ይሕብር።
(3) ቤት ፍርዲ፣ ብሓታትነት ናይ ክልቲኣቶም ወገናት ውሳነ ዚህበሉ ዕለት የመሓልፎ።
ዓንቀጽ 264. – ምስማዕ ውሳነ ኣብ ክፉት መጋባእያ

ቤት ፍርዲ ኣብ ክፉት መጋባእያ ውሳነኡ የስምዕ።

ዓንቀጽ 265. – ቅጥዕን ኣወሃህባን ውሳነ

(1) ውሳነ ብጽሑፍ ዚወሃብ ኰይኑ፣ ብኣባል ወይ ኣባላት ቤት ፍርዲ ተፈሪሙ፣ ብዳኛ ወይ ብማእከላይ ዳኛ ድማ ይንበብ።

Latest Articles

ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዳስትሪን፡ ክልተ ሕጋጋት...

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (13ይ...

شكرا لشعب وحكومة ورئيس ارتريا بقلم: محمد عبد الله همت