September 27, 2025
ንሰሙን መመላእታ፡ ብሃገር ደረጃ፡ ብምውህሃድ ኣካላት መንግስትን ዝተፈላለያ ማሕበራትን ኣብ ኩለን ዞባታት ዝሰላሰል ዘሎ ቅነ-ቱሪዝም ብዝተፈላለዩ መሰናድኦታት ክብዓል ቀንዩ‘ሎ። ዓመት መጸ መዓልቲ ቱሪዝም ከነብዕል እንከለና ንስለ በዓል ዘይኮነ፡ ትግባረ ዝተወጠኑ መደባትና እንግምግመሉን መጻኢ መደባትና እንቕይሰሉን ኣጋጣሚ ስለ ዝኾነ እዩ። ጽላት ቱሪዝም፡ ኣብ ቍጠባ ሃገርና – ማለት ኣብ ጃምላ ዘቤታዊ እቶት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ፡ ሓደ ካብቶም ዕዙዝ ተራኦም ዝጻወቱ ዘለዉ ጽላታት ኮይኑ፡ ንመጻኢ እውን ብመጠን ዘመዝግቦ ገስጋስ፡ ኣብ ቍጠባ ሃገር ዝህልዎ እጃም