October 7, 2017

ሳልሳይ ኣርእስቲ – መርትዖ
ምዕራፍ 1. – ሓፈሻዊ ድንጋገታት

Part V

ዓንቀጽ 188. – ኣድላይነት መርትዖ

(1) ብሕጊ ዝተፈልየ ኣብ ዝተኣዘዘሉ ዅነታት እንተ ዘይኰይኑ፣ ውሳነ ቤት ፍርዲ ብመርትዖ ኣብ ዝተረጋገጸ፣ ወይ ብመሰረት እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝተረጋገጸ፣ ክውንቶታት ጥራይ ይሙርኮስ።
(2) ካብ ሕጊ መርትዖ ወጻኢ ዝዀኑ ስምምዓት፣ ብሕጊ ኣብ ኢድ ተኸራኻሪ ወገን ዘይተሓድጉ ሳዕቤናት ንዘሎዎም ክውንቶታት መርትዖ ዚምልከቱ ምስ ዚዀኑ፣ ተፈጻምነት ኣይህልዎምን።

ዓንቀጽ 189. – ቤት ፍርዳዊ ኣስተብህሎ

ዝዀነ ተኸራኻሪ ወገን፣ ዘየካትዑ ኽውንቶታት ተራ ፍልጠት ብመርትዖ ኸረድእ ኣይግደድን# ቤት ፍርድውን ንናይ ከምዚኦም ዚመስሉ ኽውንቶታት ህላወ ቤት ፍርዳዊ ኣስተብህሎ ይገብር።
ዓንቀጽ 190. – ምእ’ማን

Latest Articles

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (40 ክፈል)...

“Communication Should be at the Start of Any...

عبر عملية فنقل لمن يعتبر