November 26, 2017

ሻምናይ መጽሓፍ –
ናይ መወዳእታ ድንጋገታት

Part XII

ዓንቀጽ 499. – ዲሲፕሊናዊ ስልጣን

ዝዀነ ፕረዚደንት ቤት ፍርዲ ወይ ማእከላይ ዳኛ ብመሰረት ድንጋገታት ናይዚ ሕጊ ኣብ ቤት ፍርዲ ስነ ስርዓት ንምስፋንን ምሕዳራ ፍትሒ ንምርግጋጽን ኣድላዩ ዘበለ ስጕምቲ ኺወስድ ይኽእል። ኣብ መስርሕ ዳንነት ዘይጉቡእ ጠባይ ብምርኣይ ገበነኛ ዀይኑ ንዚርኸቦ ዚዀነ ወገን፣ ወዳእ ነገር ወይ ካልእ ሰብ ድማ ብኡብኡ ብገንዘብ ኪቐጽዕ ይኽእል።

ዓንቀጽ 500. – ኣብ ገለ ገበናት ዚውሰድ ቅልጡፍ መቕጻዕቲ

ዝዀነ ቤት ፍርዲ ንድፍረት ቤት ፍርዲ ዚምልከቱ ውዕያት ገበናት ኣብ ዘጋጥምሉ ዅነታት፣ ብመሰረት ድንጋገታት ገበናዊ ሕጊ ብኡብኡ መቕጻዕቲ ይህብ።

ዓንቀጽ 501. – ሕጋጋት

ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ፣ በዚ ሕጊ ንዝተደንገገ ወይ ኪድንገግ ንዚኽእል ዝዀነ ጕዳይ ኣመልኪቶም ሕጋጋት ከውጽኡ ይኽእሉ።

Latest Articles

Ethiopia: Belligerent Agenda of Regional Destabilization

الأجندة الأثيوبية لزعزعة الاستقرار الإقليمي

تدمير جبهة نادو وتحرير مدينة أفعبت في 19 مارس 1988 ابعاد ودلالات...