October 2, 2026

ኣብርሃም ዘርአ (ወዲ-ሃለቃ)
– ሳዋ ምስቲ ትማሊ ዝነበረቶ ምስላን ስእላን ምስ’ዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምዕባለ ብምንጽጻር ብሕጽር ዝበለ ብኸመይ ምገለጽካያ፧
ሳዋ ከም ቦታ ኣብ’ቲ ፈለማ 1994 ንጥፈታት ክትጅምር እንከላ፡ ብዓጌፋ ቴንዳ ጀሚራ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እውን ተገሊጹ እዩ። ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ግን፡ ሳዋ ካብ ሓደ ጭው ዝበለ በረኻ ናብ ሓደ ምዕቡል ከተማ ተለዊጣ ኣላ። እዚ ማለት ምዕቡል ኣባይቲ ዘለዎ፡ ብስርዓት ጐደናታቱ ዝሓዘ፡ ብማስተር ፕላን ዝተዳለወ ቅርጺ ዘለዋ ኩሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘማልአት ናብ ምዕብልቲ ከተማ እያ ተሰግጊራ ዘላ። ብሕጂ’ውን ኣብቲ ራእይ ናይ መንግስቲ ናብ ዝዓበየ ከተማ ናይ’ዚ ሃገር ንምግባራ እዩ ዝጸዓረሉ