May 8, 2015

ቃል ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃ.ኮ.ሰ.ኤ.)
ብኣጋጣሚ ባሕቲ ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት

ቃል ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃ.ኮ.ሰ.ኤ.) ብኣጋጣሚ ባሕቲ ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታትባሕቲ ግንቦት፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብደረጃ ሃገር ንመበል 24፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ንመበል 125 ግዜ ትኽበር ኣላ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃ.ኮ.ሰ.ኤ.) ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ብሓፈሻ፡ ንሰራሕተኛታት ድማ ብፍላይ፡ እንቋዕ ነዛ ሕላገት ምዕባለን መሃዝነትን ዝኾነት ክብርቲ ዕለት ክንዝክር ኣብቃዓና ይብል።

ሓደ ግንቦት፡ ሰራሕተኛታት ዓለም ብዘይ ዝኾነ ይኹን መፈላለዪ ረቛሒታት፡ ዝሓለፈ ጉዕዞኦም ገምጊሞም መጻኢኦም ዝትልሙላ ድልድል መላግቦ እያ። መላእ ሰራሕተኛ፡ ኣብዛ መላግቦ’ዚኣ ኮይኑ ንድሕሪት እንከቋምት፡ ኣብ ህንጸትን ምዕባለን ዓለምና፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ፡ ኣብ ምትራር ኣህጉራዊ ምሕዝነት ሰራሕተኛታትን ተዛማዲ ጉዳያትን ብዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ክሕበን እንከሎ፡ ብመንጽሩ ሰብኣውን ሕጋውን ክብርታቱ ንምርግጋጽ ዝሰገሮ ብድሆታትን ተጻብኦታትን ዝኸፈሎ ኩሉ ዓይነት ዋጋን ንጽንዓቱ ዝያዳ ይድርዖ። ኩሉ’ቲ ዝተሰነደን ዘይተሰነደን ቃልሲ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ዓለም ምስ’ቲ ክቡር ዕላማኡ ተንጸንቢሩ ድማ፡ ንባሕቲ ግንቦት ኣብ ዝበረኸ ቦታ የቐምጣ፡፡

Latest Articles

Ethiopia: Belligerent Agenda of Regional Destabilization

الأجندة الأثيوبية لزعزعة الاستقرار الإقليمي

تدمير جبهة نادو وتحرير مدينة أفعبت في 19 مارس 1988 ابعاد ودلالات...