December 2, 2017

ቃል ኣሰናዳኢ

እዚ ወቕቲ’ዚ፡ ተመሃሮን መማህራንን ድሕሪ ክረምታዊ ዕረፍቲ ዳግም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም፡ብሓድሽ ወኒ ሓድሽ ዓመተ-ትምህርቲ ዝጅምርሉ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ መጽሔት መንእሰይ ብዛዕባ ትምህርቲ፡ፍልጠት፡ ሞያ፡ መንፍዓት፡ ብቕዓትን ብልጸትን፡ ደጊማ ደጋጊማ ንተመሃሮ ገለ ሓሳባት ክተዘኻኽር ትደሊ።ፈላጥን ብሉጽን ሰብ ክኸውን ዘይምነ የለን። እዚ ኣድማሳዊ ባህጊ ወይ ትምኒት ናይ ደቂ-ሰብ እዩ። ኣብ ተመሃሮ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንፉዕን ብሉጽን ተመሃራይ ክኸውን ዘይብህግን ዘይምነን የለን። ንፉዕን ብሉጽን ተመሃራይ ምዃን መን ይጸልእ? እቲ ግድል ግን፡ መንፍዓት ኮነ ብሉጽነት፡ ብባህጊን ትምኒትን ዝጭበጥ ወይ ዝብጻሕ ዘይምዃኑ እዩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ መማህራንና፡ ፍልጠት ከቕስሙና ዝከኣሎም ይጽዕሩ እዮም። መምህር ኣብ ክፍሊ ደው ኢሉ፡ እቲ ዝፈልጦ ስለዝነገረና ወይ ስለዝመሃረና፡ ፈላጣት ክንከውን ኣበርቲዑ ስለዝጽዓረን ስለዝደኸመን ግን፡ ብሉጻት ንኸውን ማለት ኣይኮነን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኩሉ ተመሃራይ ብቑዕን ብሉጽን ክኸውን ኣምበይምኣገሞን። ብቕዓትን ብሉጽነትን እምበኣር ካብ ገዛእ ነብስና እዩ።

Latest Articles

الفاتح من سبتمبر 1961 وتحولت شرارة الكفاح المسلح الى بركان جامح ـ...

Hamid Idris Awate, the legend

ዜና ሓሶት ብዛዕባ መርከብ ሽኵሹኳ ኤምባሲ ሃገረ...