August 27, 2023

ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ኣብ መበል 15 ዋዕላ ‘ብሪክስ’

ፈለማ፡ ምስ’ቶም ቀዲሞም ሓጎሶም ዝገለጹ ብምጽንባር፡ ንዓኻ ክቡር ፕረዚደንትን (ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ) ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ‘ብሪክስ’፡ መበል 15 ዋዕላ ከተቃንዑ ብምብቃዕኩም እንቋዕ ኣሐጎሰኩም እብል። ንህዝቢን መንግስቲን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስለ’ቲ ዝናውን ምውቕን መስተንግዶኹም ዓሚቚ ምስጋና። እዚ ዋዕላ’ዚ፡ ግሎባዊ ማሕበረሰብ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣብ ዝርከበሉ ወሳኒ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ነጊሱ ዘሎ ሓቛፊ ዘይኮነ፡ ዘየቃዱ፡ ኢፍትሓዊ ሕግታትን መምሪሕታትን ዝሕላገቱ ዓለማዊ ምሕደራ፡ መንቅባቱን ሕጽረታቱን ምግናን ዘየድልዮ ጉሉሕ ጭብጢ እዩ። ኣመሪካ እትመርሖ ጸቢብ ናይ ፍሉያት ልፍንቲ (ፓክስ ኣመሪካና) ንኣስታት ሓደ ዘመን፡ ሓባራዊ ግሎባዊ ዕብየት ዝዓንቀጸ ከቢድ ማህሰይቲ ኣውሪዱ እዩ።

download

Latest Articles

الفاتح من سبتمبر 1961 وتحولت شرارة الكفاح المسلح الى بركان جامح ـ...

Hamid Idris Awate, the legend

ዜና ሓሶት ብዛዕባ መርከብ ሽኵሹኳ ኤምባሲ ሃገረ...