November 1, 2023

ተዘካሪ ጥቕስታት ጋዜጣታት ኤርትራ፣
1942-1962

መቕድም ብኣለምሰገድ ተስፋይ
ብ13 ነሓሰ 1942፣ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝትከል ኣብ ዓመትን ሰለስተ ወርሑን፣ ዜጋታት ኤርትራ ዜናታት ዓለም ዝከታተሉሉን ርእይቶታቶም ዝገልጹሉን ጋዜጣ ብትግርኛን ዓረብን ንኽሕተም ፈቐደ። ቅድሚ’ዚ፣ መግዛእቲ ኢጣልያ ንዓኡ ዝመስል ዕድል ስለ ዘይከፈተ፣ ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ ናይ ፈለማ ብኤርትራውያን ዝእለ ናይ ጽሑፍ መራኸቢ ኾነ።
ኣብተን ቀዳሞት ገጻት ናይ’ዚ እኩብ ጽሑፍ፣ ተዘካሪ ጥቕስታት ጋዜጣታት ኤርትራ፣ 1942-1962፣ ክልተ ነገራት ንዕዘብ። ቀዳማይ፣ ኢጣልያ ዓፊናቶ ዝጸንሐት ልቦና ህዝቢ ይኹን ናይ ምጽሓፍ ብቕዓቱ፣ ብመጋረጃ ተጐልቢቡ ከም ዝጸንሐ ጽቡቕ ትርኢት በርሃው ኢሉ ክቕላዕ ንርኢ። ኣብ ዝቐደመ ሓምሳን ዝያዳን ዓመታት ተመሳሳሊ ዕድል ረኺቡ እንተ ዝኸውን፣ ብፍላይ

download

Latest Articles

Men’esey November 2025 Men’esey Magazine

طرح الموضوع مباشرة بدلاً من المراوغة…!!!

Statement by Ambassador Salih Omar Abdu at the 7th...