November 30, 2023

ተዘክሮታት ሓመድ-ደበ ግንባር ናደው

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
እዚ መጽሓፍ’ዚ 188 ገጽ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብ 2013 ኣብ ኣስመራ ብቤት ማሕተም “ሕድሪ” ተሓቲሙ ዝወጸ እዩ። ብብርክት ዝበሉ ጽሓፍቲ ዝተዳለወ ብዛዕባ ተዘክሮታት ምፍራስ ግንባር ሓይልታት መግዛቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናቕፋን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን ኣብ 19 መጋቢት 1988 ይገልጽ። እዚ ኲናት’ዚ ምብቃዕ ናይ’ቲ ንሓደ ዕቁድ ምሉእ (1978-1988) ዝቀጸለ መድረኽ ምርብራብን ንመግዛእታዊ ህላወ ኢትዮጵያ ካብ ሱሩ ንምብንቋስ ምስግጋር ናብ ደምሳሲ መጥቃዕቲን ዘበሰረ ብምዃኑ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዓቢ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ስነ-ኣእምራውን ነጥበ መቐይሮ’ዩ ነይሩ። መላእ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ቅድሚ ምብሳሩ ኣብ ዝቀጸለ ሰለስተ ዓመታት ከኣ ከተማታት ኤርትራ ሓንቲ ድሕሪ ሓንቲ ኣብ ኢድ ህዝባዊ ግንባር ወዲቀን። እዚ ታሪኻዊ ዓወት’ዚ ንፍርቂ ክፍለ-ዘመን (1941-1991) መሪር ፖለቲካውን ዘይክማህ ወተሃደራውን ቃልሲ ድሕሪ ምክያዱ ዝመጸ እዩ።

download

Latest Articles

رسالة ماجستير عن سياسة ارتريا الخارجية حيال السعودية

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (24ይ...

ጋዜጣዊ መግለጺ