April 18, 2022

ታሪኻዊ ማዕርፎታት ኣብ ሂወት
ሓርበኛ ተጋዳላይ ስዉእ ሮሞዳን መ/ኑር

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ካብ ፈለማ ክንጅምር፡ ሃገራዊ ንቅሓት ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ድሕሪ ስዕረት ኢጣልያ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ እዋን ሞግዚትነት ብሪጣንያ ምስ ንጥፈታት ፖለቲካውያን ሰልፊታት ኤርትራ’ዩ ጀሚሩ። ምስ’ቲ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1958 ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝወልዖ ናይ ሓርነት ቀንዴል ቅድሚ ምዝርጋሑ፡ ኣብ መጨረሽታ ሓምሳታትን መጀመርታ ሱሳታትን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ከም ኣስመራን ምጽዋዕን ዝተኻየደ ናይ ሰራሕተኛታትን ተማሃሮን ርሱን ኣድማታት ድማ እናዓሞቀ ከይዱ።
ሰውራዊ ተጋዳላይ ሮሞዳን ሽዱሽተ ዕቁዳት ካብ ዕምሩ፡ ንምእንቲ ሓርነት ህዝቡን ናጽነት ሃገሩን ኣብ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ስነ-ሓሳባዊ፡ ማሕበራውን ወተሃደራውን ቃልሲ’ዩ ኣሕሊፉዎ። ማሕበራዊ ፍትሒ ንምህናጽን ደሞክራስያዊ መንፈስ ንምዕማቊን ዝካየድ ቃልሲ ካብ’ቲ ምእንቲ ሓርነት ዝካየድ ኲናት ኣመና ዝጸንከረ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ስለዝፈልጥ ከኣ፡ ሃገር ንምህናጽ ኣብ ኩሉ መዳያት ብደረጃ መሪሕነትን መሰረትን ኣድማዒ ተራ ምጽዋቱ ዘገርም ኣይኮነን።

download

Latest Articles

መልእኽቲ ህዝባዊ ግንባር ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 2026

الفاتح من سبتمبر البدايات وادوبحا

الفاتح من سبتمبر 1961 وتحولت شرارة الكفاح المسلح الى بركان جامح ـ...