May 9, 2022

“ናይ ኩሉን ንኹሉን” ዓለም –
ግዴታ’ምበር ሕርያ ኣይኮነን

ሓተታ፥ ቀዳም 7 ግንቦት፡ 2022 | Shabait

ዓለምና፡ ብኣዝዩ ተሃዋሲን ኣሻቓልን መድረኽ ትሓልፍ ኣላ። ኲናት ዩክረየን ክሳብ ሕጂ ኣብ ህይወት ኣውሪድዎ ዘሎ መቕዘፍቲን ስቓይን፣ ኣብቲ ዞባ ዘለዎ ጽልዋን ብሓፈሻ ኣብ ዓለማዊ ሰላምን ጸጥታን ፈጢሩዎ ዘሎ ወጥሪን ስግኣትን፣ ቁጠባዊን ንግዳዊን ስምብራቱ ብደረጃ ዓለም፣ እምብዛ ከቢድ እዩ።
ዓለማዊ ግድላት መሰረታዊ ፍታሕ ኪርከቦ፡ ነዚ ህልዊ ኩነት ዝወለደ፡ ዕቱብ ኣተኩሮ ዘድልዮ፡ ቀንዲን ጉሉሕን ጸገማት ብሕጽር ዝበለ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይኸውን። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኣብ ናይ ሩስያ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሱር መሰረት ናይቲ ጸገም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣነጺሩዎ ነይሩ፦
ድሕሪ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት፡ እንኮ ቑጥባዊ ዓለማዊ ስርዓት ንምንጋስን ዕብለላ ሓደ ወገን ክውን ንምግባርን ዝተሃቀነ ዓንዳሪ ፖሊሲ “ድረታ”፣
ንሩስያ ንምድራትን ንምድኻምን ንምንጻልን ዝተቐየሰ ውጥን፣ ካብኡ ብዘይንእስ፡ ቻይና ንምድራት ዝተቐየሰ ውጥን፣

download

Latest Articles

شكرا لشعب وحكومة ورئيس ارتريا بقلم: محمد عبد الله همت

Tour de France 2024

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (12ይ...