September 16, 2025
ወለድና ክምስሉ፡ “ጽንብላሊዕሲ፡ መቐመጫኣ ዘይከደነት ምድሪ ከደነት” ይብሉ። እዚ ነቲ ብወገን ስርዓት ብልጽግና (PP) ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ክስማዕ ዝጸንሐ፣ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ድማ ብጻዕቂ ዝቐጸለ ሕልሚ ምውናን “ልኡላዊ መስኮት ባሕሪ” ብልክዕ ዝገልጽ’ዩ። እዚ ብላዕለዎት ሰበ-ስልጣን፡ ካድረታት፡ ዕሱባት ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ካልኦት ኣካላትን – ብመገዲ ማዕከናት ዜና፡ መደረታት፡ ድግሳትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ዝደጋገም ዘሎ ጽዑቕ ዜናዊ ዘመተ፡ ነቲ ዘይሕጋውን ሃዋኽን እከይ ኣጀንዳ፡ “ሕጋዊ ሃገራዊ ባህጊ” ንምምሳል ዝግበር ምውስዋስ’ዩ። ብመርዚ ሓሶትን ጽውጽዋይን ዝተላዕጠጠ ጽዋ/ትረኻ ብምዃኑ ድማ፡ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዝሰፍሐ ዞባና ጠንቂ ዘይምርግጋእ ክኸውን ዝኽእል ዕንደራ’ዩ።