June 1, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ራብዓይ ምዕራፍ
ኤርትራዊ ሕድሕዳዊ ዓመጽ

(5)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ብለካቲት 1964፣ ኣብ ምዕራብ ከተማ ኣቕርደት ዝርከብ፣ ቶጎርባ ተባህሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተጋደልትን፣ ገለ ካብ ጦር ሰራዊትን ፖሊስ ኤርትራን ዝቖመ ሓይሊ ጸላኢ ብርቱዕ ወተሃደራዊ ረጽሚ ተኻየደ። ኣብ’ዚ ውግእ 19 ተጋደልቲ ኤርትራ ተሰዊኦሞ ሬሳታቶም ብጸላኢ ኣብ ከተማታት ኣቕርደትን ባርንቱን ከም ዝስቀል ተገብረ። እቲ ኵናት ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ዓቢ ጽልዋ ኣሕደረ። ምስቃል ሬሳታት ተቓወምቲ፣ ብገዛእቲ ጥልያንን እንግሊዝን፣ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኵናት ዓለም ዝተዘውተሩ፣ ከም መፈራረሕን መድሃልን ድማ ይጥቀምሉ ነበሩ። ኵናት ተጎሩባ ኣብ ዝተወርየሉ ብፍላይ ኣብ ሱዳን፣ ብዙሓት ምስ ሰውራ ዝደናገጹን ዝደጋገፉን ኤርትራውያን ኣባላት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ይኹኑ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ኣብ እንዳ ሻሂ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ፣ ደሃይ ክረኽቡን ከረጋግጹን፣ ብምውሓዝ እታ እንዳ ሻሂ ብብዝሒ ሰብ ኣዕለቕለቐት። ቦታ ምስ ጸበበ፣ ብዙሓት ሰድያታት ብምስኣኖም፣ ኣብ ባይታ ኮፍ በሉ። ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ሓዲሱዎ ይኸውን፣ ከም ማይ ዝጸምአ ንህቢ፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክመላለስን፣ ሕቶታትን ጠለባትን ክሰምዕን ክምልስን ላዕልን ታሕትን

Latest Articles

መልእኽቲ ህዝባዊ ግንባር ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 2026

الفاتح من سبتمبر البدايات وادوبحا

الفاتح من سبتمبر 1961 وتحولت شرارة الكفاح المسلح الى بركان جامح ـ...