June 8, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ራብዓይ ምዕራፍ
ኤርትራዊ ሕድሕዳዊ ዓመጽ
(6)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

እድሪስ ስድርኡ ከዐንግልን ህይወቱ ክመርሕን ዘኽእሎ ኣታዊ ንምርካብ፣ ብቀጻሊ ቀዋሚ ስራሕ ክናዲ ይጽዕር ነበረ። ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ንግዳዊ ስርሓት፣ ኣብ ዕዳጋ ልቡስ ክዳውንቲ፣ ሹቕ ሃይኮታ ከሰላ፣ ኤርትራውያን ዝነግድሉ ዕዳጋ ምሻጥን ምግዛእን መግቢ፣ ምጽዓንን ምርጋፍን፣ ምድላው ፉልን ጣዕምያን ዝኣመሰሉ ስርሓት ኣብ በብኡዋኖም ተዋፍሩን ነጊዱን። ዘካይዶም ዝነበረ ስርሓት ግዜያዊ ባህርያት ስለ ዝነበሮም ከይተሸገር ኣይተረፈን። ሓደ መዓልቲ እድሪስ ከም ልሙድ ምስ ዓርኩ እናኣዕለለ ብሃንደበት፣-“ካባኻ ዝሓብኦ ስለ ዘይብለይ፣ ንዓይን ንስድራይን ዝዕንግለሉ፣ ካብ ጽግዕተኛነት ዘገላግለኒ ቀዋሚ ስራሕ ክሳዕ ሕጂ ኣይረኸብኩን ዘለኹ። ወጋሕታ ተንስአ ኣብ ኩለን ኣብያተ-መግብን ሸየጥቲ ጸባን፣ ስራሕ ከናዲ ምሉእ መዓልቲ ግዜይ ኣብ ኮለል የጥፍኦ ኣለኹ። በዓል ኒሕ ብምኻነይ ረቢ ብዝሃበኒ ጥዕናን ዕድመን እና ኣመስገንኩ፣ ንኹሉ ብትዕግስትን ትብዓትን የሕልፎ ኣለኹ።” ክብል ንዝነበሮን ዝሓብኦን ምስጢር ንዓርኩ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ኣተንበሀ።

Latest Articles

بيان وزارة الخارجية الارترية أثيوبيا ترتكب عملا عدائيا

ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ኢትዮጵያ ዘሕዝን ተጻባኢ ተግባር

Press Release: Ethiopia’s Deplorable Acts of Hostility