March 16, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ሳልሳይ ምዕራፍ
ቀዳሞት ኣድራጋ ጠያይቲ
2

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

እድሪስ፣ ብዛዕባ ኩነታትን ምዕባለታትን ሃገር እናሓሰበ፣ በቲ ኻልእ ድማ ካብ ስእነትን ሕጽረትን ዘድሕኖ ስራሕ ክደሊ ብምጽዓር ላዕልን ታሕትን እናበለ፣ ዝተፈላለዩ ሽግራት እናተኾማመሩዋ ክመጹ ጀመሩ። ይኹን’ምበር ኣብ ዕዳጋ ከብቲ፣ ናይ ድለላ፣ ምሕራድ ኣባጊዕን ኣጣልን ዝኣመሰሉ ስራሕ እንዳ ኣካየደ ብዝረኽቦ እቶት ዕጉብ እኳ እንተነበረ፣ ካብ ወጋሕታ ክሳዕ ጸሓይ ትዓርብ ኣብ ዕዳጋ ከብቲ ይውዕል ነበረ። እድሪስ ብተወሳኺ፣ ብመሰረት ባህልን ልምድን ተቐማጦ ምብራቓዊ ቆላታት ኤርትራ፣ ነቲ ዓሰርተ-ክልተ ዓመት ዝኣኸለ መንሱር ወዱ ከኸንሽብ፣ መጻኢ ዕድሉን ዕድል ስድርኡን፣ ብፍላይ ዕድል መንሱር፣ ኣዝዮም ዘሻቕልዎን ዘተሓሳስብዎን ብምንባሮም ርጉእ መንፈስ ኣይነበሮን። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ዘሻቕሉ ሓሳባት እናጠሓለ ከሎ፣ ብኣጋጣሚ ምስ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ተራኽቡ፣-“ደሓን ድኻ፣ ኣብ ኣዝዩ ኩቱር ሓሳባት ጢሒልካ ዘለኻ ትመስል? ስድራ ኸ ደሓን ድዮም?” ክብል ሓተቶ።

Latest Articles

Eritrea’s Agricultural Development Over the Past 35...

Eritrea: The Long Road to Independence

خطاب الرئيس اسياس أفورقي بمناسبة العيد الخامس والثلاثين...