September 16, 2017

ካልኣይ መጽሓፍ – ሲቪላዊ ስርዓት ብሓፈሻ
ቀዳማይ ኣርእስቲ – ክለ-ስልጣን
ምዕራፍ 1. – ሃገራዊ ኽለ-ስልጣን

Part 2

ዓንቀጽ 33. – ደረት ተፈጻምነት

ኤርትራ ኣባል ዝዀነትሉ ዝዀነ ኣህጕራዊ ስምምዕ ዝተፈልየ እንተ ዘይደንጊጉ፣ ሃገራዊ ኽለ-ስልጣን ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ኣብ ሲቪላውን ንግዳውን ጕዳያት በዚ ምዕራፍ ይውሰን።

ዓንቀጽ 34. – ኣድራሻ ተኸሳሲ

(1) ኣብ ፍሉይ ድንጋገታት ሕጊ ኤርትራ ዝተፈልየ እንተ ዘይተደንጊጉ፣ ልሙድ መንበሪ ተኸሳሲ ኣብ ኤርትራ ምስ ዚኸውን ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ነቲ ጕዳይ ንምድናይ ክለ-ስልጣን ይህልወን።
(2) ተኸሳሲ ኩባንያ ወይ ካልእ ሕጋዊ ሰብነት ዘሎዎ ኣካል ኣብ ዝዀነሉ ዅነታት፣ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ነቲ ጕዳይ ንምድናይ ክለ-ስልጣን ዝህልዎም፣ ቀንዲ ቦታ ዋኒን ናይተን ትካላት ወይ እተን ትካላት ንጥፈታትን ዘካይዳሉ ቦታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምስ ዚኸውን እዩ። ቀንዲ ቦታ ዋኒን፣ ኣብ ካልእ ቦታ ከም ዝርከብ እንተ ዘይተገሊጹ፣ ኣብ መመሓደሪ ሕጊ ትካል ከም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኪኸውን ዝተመርጸ ቦታ ማለት እዩ።

Latest Articles

Claiming the Narrative: Alemseged Tesfai on Eritrea’s...

تدشين كتاب ” مجد تحفظه حجارة “

ስርሒት ፈንቅል፡ ድንቂ ወተሃደራዊ ስትራተጂ