November 18, 2017

ካልኣይ ኣርእስቲ – ኣገባባት ኣፈጻጽማ
ምዕራፍ 1. – ሓፈሻዊ ድንጋገታት

Part XI

ዓንቀጽ 432. – ገንዘብ ንምኽፋል ዝተዋህበ ፍርዲ

(1) ገንዘብ ንምኽፋል ዝተዋህበ ነፍስ-ወከፍ ፍርዲ፣ እንተላይ ከም ኣማራጺ ናይ ገለ ካልእ ዳንነት ብገንዘብ ኪኽፈል ዘሎዎ ፍርዲ፣ ንድንጋገታት ናይዞም ዚስዕቡ ዓንቀጻት ብኣሉታ ከይተንከፈ፣ ንብፍርዲ ብዓል ዕዳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምቕያድ ወይ ንብረት ብፍርዲ ብዓል ብምትሓዝን ብምሻጥን ወይ ከኣ ብክልቲኡ ኪፍጸም ይከኣል።

(2) ብዝተኻለ መጠን ዋጋ ናይቲ ዝተሓዝ ንብረት ምስቲ ኣብ ፍርዲ ዝሰፈረ ገንዘብ ዚመጣጠን ይኸውን።

ዓንቀጽ 433. – ኣገባብ ኣከፋፍላ ገንዘብ

(1) ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኪኽፈል ዘሎዎ ገንዘብ ብኸምዚ ዝስዕብ ይኽፈል፥
(ሀ) ናብቲ ፍርዲ ናይ ምፍጻም ሓላፍነት ዘሎዎ ቤት ፍርዲ፣
(ለ) ወጻኢ ካብ ቤት ፍርዲ ንብፍርዲ ብዓል መሰል፣ ወይ

Latest Articles

Promoting Social Justice in Eritrea: The Role of an...

Director General of the National Museum, Dr.Yosief...

President Isaias Afwerki’s Interview With Local Media...