December 20, 2023

ዕጫ ተዂላ ካብ ጽውጽውያት ኤዞፕ. . .

ሓደ እዋን ተዂላ ከይሃለኸ ድራር-እለት ዘውሕሰሉ ብልሓት ፈጠረ። ጓሶት ዝደርበዩዎ ሓድሽ ቆርበት በጊዕ ወድዩ፡ ኣማስያኡ ብሰላሕታ ኣብ ሓደ መጓሰ ኣባጊዕ ተጸንበረ። እዋን ድቃስ ኮይኑ፡ ጓሳ ምስ ሓርነኸ፡ ሓንቲ ዕየት ቀቲሉ፡ ግርም ካፕሬቶ ተደሪሩ ኣብ መንጎ’ተን ኣባጊዕ ማሚቚ ሓደረ። በዚ ሜላ’ዚ ግን ነዊሕ ኣይቀጸለን። ንጽባሒቱ ምሽት፡ ወዮ ጓሳ ኣጋይሽ መጺኦሞ፡ ሕሩድ ከአንግዶም፡ ስሕለቱ ሒዙ ናብ ጥሪቱ ኣምርሐ። በጊዕ መሲሉዎ ድማ፡ ነቲ ተዂላ ጐየሖ።. . . .መሪር ዕጫ ምትላል! *** ታሕሳስ 2000፡ ወራራት ወያነ ተለዂሲሱ፡ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ዝተፈረመላ እያ። ኣብቲ እዋን’ቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኣልጀርስ ዝገሸት ጋዜጠኛ ቤተ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝኽራ ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል፦ “ሰነድ ንምኽታም ምቅርራብ እናተገብረ ከሎ፡ ኣብ ገጽ ቀዳማይ ሚኒስተርና ከቢድ ጭንቀትን ምሽምቕቓን ይርኢ ነበርኩ። ብኣንጻሩ ኣብ ገጽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ፍሽኽታ፡ ርግኣትን ናይ ዓወት መንፈስን ተዓዚበ።

download

Latest Articles

Briefing by M. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs,...

Ethiopia is not being ‘dragged into war’

ንዓቕሊ ጽበት ሰልፊ ብልጽግና...