March 21, 2021

ዝኽርታት ሓመድ ድበ ናደው
ምቕሉል ጅግንነት ንምሕያልን ሓርበኝነት ንመጻኢ ወለዶ
ንምውራስን ግን፡ እቲ ታሪኽ ኪንገር ግቡእ`ዩ።”
ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቕያታት ዝመልኦ ሕልፍ ዝበለ ተመክሮ ምዃኑ ንግንዘቦን ንደጋግሞን ኢና። ይኹን`ምበር፡ ዛጊት መሊእናስ ይትረፍ ብኣፈና`ውን ስለዘይተረኸናዮ እናሓደር ዝኸብድ ዓቢ ሸኽም ኰይኑና ምህላው ማዕረኡ ንግንዘቦን ንደጋግሞን ኢና። እቲ ጸገም እናተፈልጠ ይቕጽል ምህላው ኸኣ ብርግጽ ሓደ ስግንጢር ኩነት`ዩ። እዚ ቅያዊ ታሪኽ ጅግንነትን ሓርበኝነትን`ዚ፡ ነጋርን ጸሃፍን ሳኢኑ ዳርጋ ዓባስ ኰይኑ ምህላው እምበር ፍጹም ክምኽነን ክጽወርን ኣይክእልን። እዚ ስግንጢር`ዚ ከይተፈትሐ ክቕጽል ምግዳፉ፡ ስግር ሃላፍነት ምዝንጋዕ፡ ንታሪኽና፡ ንታሪኽ ሰማእታትና፡ ነቲ ኩሉ ዘይተነግረ ቅያታቱን ጅግንነቱን፡ ተወፋይነቱን እምነቱን፡ ዝደረኾን ዝጸሮን ንጹህ ሕልናን ኣተሓሳስባን ምብዳል`ዩ። ታሪኽና ምብዳል ከኣ ንነብስናን መጻኢ ወለዶታትናን ምብዳል ስለዝኰነ መዘዙ ብዙሕን ነባርን`ዩ። ስለዚ፡ ንታሪኽና፡ ምስቲ ኩሉ ሓይሉን ህያውነቱን፡ ዕብየቱን ድምቀቱን፡ ስፍሓቱን ዕምቈቱን፡ ክንትርኾ፡ ክንገልጾ፡ ክንርዳኦ፡ ከነመሓላልፎ ግድን ክንፍጽሞ ዘለና ህጹጽ

download

Latest Articles

مقابلة مع الرئيس اسياس افورقي

ቃለ-መሕትት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ሓተታ : ዓለማዊ ግንባር ኣንጻር ዕብለላን ተጻብኦታትን


Warning: Use of undefined constant template_url - assumed 'template_url' (this will throw an Error in a future version of PHP) in /homepages/7/d41324992/htdocs/ECSS/2013/wp-content/themes/ecss_2013/single.php on line 52