February 2, 2020

ጋዜጣዊ መግለጺ
ብዛዕባ ብኣመሪካ ዝወጸ እገዳ መገሻታት

ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ብ31 ጥሪ 2020 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንኤርትራ ኣብ ካልኣይ ምድብ ናይ’ተን ንገለ “ዜጋታተን” ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክነብሩ ዘፍቅድ ቪዛ ምሃብ ዝተወንዘፈለን ሃገራት ኣስፊርዋ’ሎ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ገለ ሃገራት – ንስቱር ምኽንያታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምብራስ (ምጉሕጓሕ) ክኽተልኦ ንዝጸንሓ “ምሃብ ቅጽበታዊ ዕቚባ”ን ካልእ ዝምቡዕ ስጒምቲታትን ብቐጻሊ ክቃወሞ ጸኒሑ’ዩ። ኣንጻር’ቶም ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ዝተኸተሉ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ኣመሪካ’ውን፡ ኣብ 2004ን 2009ን ሕጋዊ ኣቤቱታ ኣቕሪቡ’ዩ። እዚ ናይ ሕጂ መግለጺ እምበኣር፡ ካብ’ዚ ግምታት’ዚ ዝነቐለ ኣይመስልን። ዋላ’ኳ ብቴክኒካዊ ረቛሒታት ምኽኑይ እንተመሰለ፡ ብዘይ ዝዀነ ሰበብ ንኤርትራ ብፍሉይ ኣነጻጺሩ ኣሉታዊ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ’ዩ። ስለዝዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ እዚ ውሳነ’ዚ እምብዛ ከምዘርመሞ ይገልጽ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ምምሕዳር ኣመሪካ ንዝሓለፈ ጌጋታት ንምእራም ዝኽተሎ ናይ ሃናጺ ጽምዶ እዉጅ ፖሊሲኡ ስለዝጻረር።

ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ 2 ለካቲት 2020መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ገለ ሃገራት – ንስቱር ምኽንያታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምብራስ (ምጉሕጓሕ) ክኽተልኦ ንዝጸንሓ “ምሃብ ቅጽበታዊ ዕቚባ”ን ካልእ ዝምቡዕ ስጒምቲታትን ብቐጻሊ ክቃወሞ ጸኒሑ’ዩ። ኣንጻር’ቶም ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ዝተኸተሉ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ኣመሪካ’ውን፡ ኣብ 2004ን 2009ን ሕጋዊ ኣቤቱታ ኣቕሪቡ’ዩ።
እዚ ናይ ሕጂ መግለጺ እምበኣር፡ ካብ’ዚ ግምታት’ዚ ዝነቐለ ኣይመስልን። ዋላ’ኳ ብቴክኒካዊ ረቛሒታት ምኽኑይ እንተመሰለ፡ ብዘይ ዝዀነ ሰበብ ንኤርትራ ብፍሉይ ኣነጻጺሩ ኣሉታዊ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ’ዩ።
ስለዝዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ እዚ ውሳነ’ዚ እምብዛ ከምዘርመሞ ይገልጽ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ምምሕዳር ኣመሪካ ንዝሓለፈ ጌጋታት ንምእራም ዝኽተሎ ናይ ሃናጺ ጽምዶ እዉጅ ፖሊሲኡ ስለዝጻረር።
ሚኒስትሪ ዜና

ኣስመራ
2 ለካቲት 2020

Latest Articles

ፖሊሲ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡባዊ ቀይሕ...

السياسة الارترية في القرن الافريقي وفي جنوب البحر الاحمر

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam at the 19th...