June 29, 2025

ጋዜጣዊ መግለጺ
ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ
ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ዘመተ’ዚ፡ ናብ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን መልእኽቲ ምስዳድ ዘጠቓለለ እዩ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ መልእኽቲ፡ ንኤርትራ ብ“ተደጋጋሚ ምትዂታዂን ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን” ብሓሶት ዝጥቅንን ዝኸስስን እዩ። እዚ መደናገሪ መልእኽቲ’ዚ፡ ያኢ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብምትላል፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ነጋሪት ክድስቐሉ ዝጸንሐ ኣጀንዳ ኲናት ደገፍ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ፡ ንኹሉ ብሩህ’ዩ። “ጭጉራፍስ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ” ከም ዝበሃል።

download

Latest Articles

Promoting Social Justice in Eritrea: The Role of an...

Director General of the National Museum, Dr.Yosief...

President Isaias Afwerki’s Interview With Local Media...