September 20, 2023

ፍሽለት ዓቢ ውዲት – ዝፈጠሮ ዕብዳን

ሎሚ ዓመት፡ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ንምዝራግ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ወጻኢ ዝተኸስተ ዕብዳን ንተዓዘብቲ ኣገሪሙ’ዩ። ታሪኻዊ ድሕረ_ባይታኡ፡ ናብ’ዚ ዕብዳን’ዚ ዘብጽሐ ብስጭት፣ ወደብቱ፣ መወልቱ፣ ኣተናኡ ኣማእዝዩ ንዝፈልጥ ግን ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዘመን፡ “ናጽነት ኤርትራ ንግሎባዊ ስትራተጂና ኣየገልግልን’ዩ” ዝብል መርገጺ ዝሓዙ ታሪኻውያን ተጻባእቲ፡ ነዛ ብመሪር ተጋድሎን ረዚን መስዋእቲን፡ ዓለማዊ ውዲት ፈንጢሳ ናጽነታ ዝተጓናጸፈት ሓዳስ ሃገር፡ ከሎ ገና ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ነጺሎም፣ ብኹሉ መዳይ ረሚሶም፣ ህዝባ ኣብ ቀጻሊ ግጭትን ቁጠባዊ ሕሰምን ተሸሚሙ ሞራሉ ከምዘውድቕ፡ ናጽነቱ ከምዝጸልእን መግዛእቲ ከምዝናፍቕን ንምግባር፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ዘይዓርፍ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ሽርሒታት ፈጺሞም እዮም።

download

Latest Articles

شكرا لشعب وحكومة ورئيس ارتريا بقلم: محمد عبد الله همت

Tour de France 2024

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (12ይ...