April 30, 2016

ሃናጺ ጽምዶ – ንርግኣትን ዕብየትን ህዝብታት ዞባና!

ሃናጺ ጽምዶ – ንርግኣትን ዕብየትን ህዝብታት ዞባና!

ዞባና፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን፡ ብሰሪ ዘቤታዊ ድኻማትን፡ ነዚ ድኻማት’ዚ ዝመዝመዘ ገዚፍ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታትን፡ ብፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላዋት፡ ብኣዕናዊ ኲናት፡ ግጭታትን ሽበራዊ መጥቃዕቲታትን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ እዩ። ኣብ ሶማል ነዊሕ ዝገበረ ገና ዘይሰኸነ ሕንፍሽፍሽ፡ ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን፡ ቅልውላው የመን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕብታት ዘምጽኦ ምቅይያራት፡ ዝፈጠሮ ባዶሽን ዘኸተሎ ገዚፍ ዕንወት፡ ህልቂትን ስደትን፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዘሎ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእን ጸጥታዊ ጸገማትን፡ ከምኡ’ውን በዚ ሕንፉሽ ኩነታት ባይታ ረኺቡ ከስፋሕፍሕ ዝጸንሐ ተግባራት ሽበራ፡ እቶም ዓበይቲ ግድላት ናይዚኮይኑ ኣሎ እዮም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓደገኛ ሃዋህው፡ ውሽጣዊ ርግኣትን ስኽነትን ምውሓስ ብቐዳምነት፡ ብካልኣይ ደረጃ ድማ፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ምርግጋጽ፡ ቀዳምነት ክስራዕ ዝግብኦ፡ ሓባራዊ ዕማም ህዝብታትን መንግስታትን ዞባና ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዞባና ዘለዉ፡ ብዙሕ ዝዓይነቶም ግጭትታትን ቅልውላዋትን፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ሓደ ሃገር ንሓድሕዱ ኮነ ኣብ መንጎ ህዝብታት ጎዶቦ ብዘሎ ዓሚቚ…

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ