September 18, 2021

ህዝቢ ዝለከመ ታሪኻዊ ጌጋታት ወያነ

ትንታነ ድሕረ-ሞት (Postmortem) ንፍልጠትን ልቦናን ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ለካቲት 1975 ተወሊዱ፡ ብሄራዊ መሰል ህዝቢ ትግራይ ኬረጋግጽ ዘንቀደ ህወሓት፡ ኣብ 46 ዓመቱ፡ ዝልከም ለኪሙ ሓመድ ድበ ይለብስ ኣሎ። ዘሕዝን ታሪኽ እዩ። ከመይሲ፡ ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ “ባህግና ከዐውት ይኽእል’ዩ” ብዝብል እምነት ተወፍዩ ዝሰርሓሉን ህይወት ኣሽሓት ዝገበረሉን ውድብ’ዩ። ብስለትን ብቕዓትን መሪሕነት ወያነ ግን፡ ማዕረ’ቲ ዕላማን ዝተኸፍሎ ክቡር ዋጋን ኮይኑ ኣይተረኽበን።
የግዳስ፡ ሕጂ’ውን፡ ወያነ እንተብቅዐ ህዝቢ ትግራይ ነባሪ እዩ። ባህጉን ዕድላቱን፡ ብውደቀት ወያነ ተቘጽዩ ዝተርፍ ኣይኮነን። ንወያነ ናብ ጉሓፍ-ታሪኽ ዝደርበየ ስትራተጂያዊ ጌጋታት ግን፡ ህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ፡ መላእ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብሕልፊ ድማ ፖለቲከኛታት ክመሃርሉ ዝግባእ እዩ።
ልቦና ንምዕባይ፡ ካብቲ ብዙሕ ጠንቂ ሕልፈት-ወያነ ነቶም ዓበይቲን ጉሉሓትን ክንጠቅስ፦
ወያነ፡ ንቃልሲ ክወፍር እንከሎ፡ ኣብ ማኒፊስቶ 1968 (1976) ዘስፈሮ፡ ኣብ መንጎ ምምስራት ናጻ ሪፑብሊክን ብሄራዊ ማዕርነትን ዝላኻዕ ኣጓጉል ዕላማ፡ እቲ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ