April 4, 2023

ሊብያ፡ ግዳይ ዘይዓግብ ገባቲ ሸውሃት
ሃገራት ምዕራብ ሊብያ

ኣብ ትሕቲ ኰሎኔል ሙዓመር ቓዛፊ፡ ብኣንጻር’ቲ ምስላ ንምድዋን ዝካየድ ዝነበረ ጽዑቕ ዘመተ ምስይጣን፡ ብተዛማዲ ምዕቡልን ርጉእን ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ኩነታታ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብኣብነት እትጥቀስ ዝነበረት ሃገር’ያ። ኣብ ርእሲ’ቲ ትምህርትን ጥዕናን ንኹሉን ብናጻን ንምርግጋጽ ዝተገብረ ገዚፍ ወፍሪ፡ ኣብ ቀረብ ጸዓት፡ ኣባይትን መሰረታዊ ዓይነታት መግብን ዝግበር ዝነበረ ድጐማ፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ዜጋታታ ዓቢ ኣስተዋጽኦ’ዩ ገይሩ። 10% ካብ ሊብያውያን ተመሃሮ’ውን፡ መንግስቲ ዝሽፍኖ ምሉእ ናይ ማህደረ-ትምህርቲ ዕድላት ኣብ ሃገራት ወጻኢ ይዋህቦም ነይሩ። ኣብ 1951 ናጽነታ ዝረኸበት ሊብያ፡ ኣብ 1969 ስርዓት ቓዛፊ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ፡ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ’ያ ነይራ።

ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ግና፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ መዳይ ልምዓት “ዓቢ ዝላ ዘርኣየት” ሃገር (a high-development country) ተባሂላ፡ ኣብ ናይ 2010 ጸብጻብ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ