October 28, 2017

ሓምሻይ መጽሓፍ ፍሉይ ስርዓትን ግዝያዊ ትእዛዝን
ቀዳማይ ኣርእስቲ – ቅልጡፍ መስርሕ ዳንነት
ምዕራፍ 1. – ናይ ገንዘብ ዕዳ ዚእከበሉ መስርሕ

Part VIII

ዓንቀጽ 304. – ምልክታ

(1) ከም ሰነዳት ልውውጥ፣ ሰነድ መብጽዓ ወይ ቸክ ዚመስሉ ተሸረፍቲ ሰነዳት፣ ኣብ ቦንድ ወይ ርጕጽ መጠን ገንዘብ ንምኽፋል ወይ ንምውሓስ ብጽሑፍ ኣብ ዝተገብረ ውዕል፣ ወይ እቲ ኣንጻር ቀንዲ ወገን ዚቐንዐ ክሲ ንዕዳ ወይ ንርጕጽ መጠን ገንዘብ ጥራይ ዚምልከት ምስ ዚኸውን፣ ሓደ ኣዋዲ ኣንጻር ተኣዋዲ ናይ ጥረ ገንዘብ ዕዳ ንምምላስ፣ እቲ ኣንጻር ወገን ከይተጸውዐ ውሳነ ንኪወሃብ ምልክታ ኸቕርብ ይኽእል።
(2) እቲ ምልክታ፣ ኣብ ንቡር መስርሕ፣ ክሲ ንምቕራብ ዘድልዩ ሮቛሒታት ብምምላእ፣ “ቅልጡፍ ስርዓት” ምዃኑ ዚገልጽ ሓበሬታ ተጌይርሉ ይቐርብ።

ዓንቀጽ 305. – ኣብ ልዕሊ እቲ ምልክታ ዚወሰድ ስጕምቲ

(1) ቤት ፍርዲ፣ ነቲ ምልክታን ምስኡ ተተሓሒዞም ዚቐረቡ ሰነዳትን ብምጽናዕ፣ እቲ ናይ ጥረ ገንዘብ ዕዳ ንምምላስ ውሳነ ኺህብ ዝቐረበሉ ምልክታ ቅቡልን ብቑዕን ምኽንያት ዘሎዎ

Latest Articles

Men’esey November 2025 Men’esey Magazine

طرح الموضوع مباشرة بدلاً من المراوغة…!!!

Statement by Ambassador Salih Omar Abdu at the 7th...