February 12, 2023

ሓባራዊ መግለጺ ብምኽንያት ወግዓዊ ምብጻሕ
ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ናብ ሪፓብሊክ ኬንያ

1. ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ካብ 8 ክሳብ 9 ለካቲት 2023 ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ። ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ዝሓቘፈ’ዩ።
2. ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብወገኑ፡ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ምክልኻል፡ ዕደና፡ ጸጋታት ባሕሪን መጓዓዝያ ባሕሪን፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ኣኽባሪ ሕጊን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ-መዚን ተሰንዩ ነይሩ።
3. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ብ9 ለካቲት 2023 ኣብ ናይሮቢ ብደረጃ ላዕለዋይ ጽፍሒ ቀጥታዊ ርክብ ኣካይዶም። እቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተሃንጸ ዓሚቝ ታሪኻዊ ምትእስሳር ክልተአን ሃገራት ዝዘከረ፡ ልዑል ሕውነታዊ ሃዋህው ዝሰፈኖ ርክብ፡ ናይ ሓባር ረብሓትታትን ኣገዳስነትን ኣብ ዘለዎም ክልተኣዊ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዘተኮረ’ዩ።

download

Latest Articles

في حوار مع السيد/ صالح أحمد دين رئيس الإتحاد الوطني لشباب وطلبة...

ዓዳት ወመናበረት ደሃሊክ

Understanding Eritrea’s Distinctive Development Vision