October 8, 2022

ሓተታ:
ግጭት ክልል ትግራይ – ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ

ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ፡ ጃንዳ ወያነን ኣማለድቱን፡ ግጭት ክልል ትግራይ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሓሊፉ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻርን ንምዕብላልን ዝካየድ ውድድር ርእሰ-ሓያላን (ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን) ምዃኑ፣ ወያነ እንተተሳዒሩ ድማ ንኣመሪካን መሻርኽታን ዓቢ ስግኣት ከምዝፈጥር ንምእማን ዝዓለመ ሓድሽ ቃና ከጋውሑ ይስምዑ’ለዉ።ወያነን ኣሳሰይቱን ኣቐድም ኣቢሎም፡ ግጭት ክልል ትግራይ ምስ ጉዳይ “ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት” ብምትእስሳር፡ ብመንገዲ “ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኢና” ዝብላ ትካላትን መጋበርያታት ማዕከናት ዜናን ዘጋውሕዎ ዝነበሩ ኣእዛን ማሕበረሰብ ዓለም ዘደንቆረ ኣውያት ክሰምዕ ንዝጸንሐ፡ እቲ ዘመተ ብሓንሳብ ናብ ካልእ ኣንፈት ምቕያሩ ክገርሞ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ንዝከታተል ግን፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ ሰዓት ግጭት ክልል ትግራይ ኣህጉራዊ መልክዕ ንምትሓዝ ዝደረኸ ስግኣት ምርዳእ ኣየጸግሞ

download

Latest Articles

Ethiopia: Belligerent Agenda of Regional Destabilization

الأجندة الأثيوبية لزعزعة الاستقرار الإقليمي

تدمير جبهة نادو وتحرير مدينة أفعبت في 19 مارس 1988 ابعاد ودلالات...