February 17, 2023

ሓታትነት ገበናት ከይደጋገስ

ዕንደራ ወያነ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኮነ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘስዓቦ መቕዘፍቲን ዕንወትን፡ ኣብዚ ዘለናዮ 21 ዘመን፡ ዛጊት መዳርግቲ የብሉን። ኣዝዩ ዘሰንብድ፡ ዘሕንኽ ዛንታ ናይዛ ብስልጡን መትከላትን ሕጋውነትን እትመጻደቕ ዓለምና እውን እዩ። ዘሕፍር ኢልካ ጥራይ ግን ዝሕለፍ ኣይኮነን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቃለ-መጠይቕ ዝሓለፈ ሰንበት ከምዘጉልሖ፡ ከምዚ ዓይነት መሰክሕ ገበናት ተፈጺሙ፡ ተሓታቲ ዘይብሉ ብዕበጦ ዕበጦ ክሕለፍ ቅኑዕ ኣይኮነን። ከመይሲ፦ – ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ክሕደትን ቅንጸላን፣ “ህዝባዊ ኲናት” ብዝብል ድንቊርና፡ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ትግራይ እንተላይ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑ ብማዕበላት ናብ መጋርያ ጠቢስካ፡ ‘ንትግራይ ዘይከውን ብጥይት በልዎ’ እናበልካ ዝተፈጸመ ጭካነ፣ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ፍጹም ዘይተራእየ ዘሰቅቕ ኣረሜንነት እዩ

download

Latest Articles

زيارة الرئيس إسياس أفورقي إلى المملكة العربية السعوديةرسخت...

أفورقي: وقف حرب السودان يبدأ بقطع خطوط إمداد الدعم السريع

ارتريا تسحب عضويتها من منظمة الايقاد