May 17, 2022

ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕንደራ ወያነ
ስለምንታይ? ንምንታይ ዕላማ’ኸ?

ጃንዳ ወያነ ናይ ‘መጨረሽታ’ዩ’ ንዝብልዎ ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕንደራ ይዳለዉ ከምዘለዉ ምስጢር ኣይኮነን። ወግሐ-ጸብሐ ተጠሊዖም፡ ‘ካብ’ዚ ንላዕሊ ክንጻወር ኣይንኽእልን ኢና፣ ንጸላእትና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ደምሲስና ብዓወት መሰስ ኢልና ክንወጽእ ኢና’ እናበሉ ክጀሃሩ ኩሉ ይሰምዖም ኣሎ። ብኸምዚ ዝበለ ዕሙት ሕልምን ዘይተኣደነ ፈኸራን ናብ ህጉም ክኣትዉ ፋልማዮም ኣይኮነን። ቅድሚ 24 ዓመት – ኣብ 1998፡ ዝምድና ክልቲኡ ሃገራትን ውድባትን ብመጠኑ ጽቡቕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መንገዲ ጥልመት መሪጾም፡ ‘ዝተኸፍለ ይከፈል፣ ዝጠፍአ ይጥፋእ፣ ዝዓነወ ይዕኖ’ ኢሎም ዝኣወጅዎ ኲናትን ውዒሉ-ሓዲሩ ናብ ውድቀቶም ዘምርሐ ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ኲናት ብስምምዕ ኣልጄርስ ደው ኢሉ ናብ ፍርዲ ምስተኸደ’ውን፡ ኣብ ክንዲ መገዲ ሰላምን ጣዕሳን ዕርቂን ዝመርጹ፡ ነቲ ስምምዕ ጠሊሞም፣ ንብይን ዶብ ነጺጎም፣ መሬት ኤርትራ ጎቢጦም፣ ከንቱ ተጻብእኦም ን20 ዓመት መመላእታ ምቕጻሎም’ውን፡ ናይ ትማሊ ዝኽሪ ኢዩ። ኣብ ሕዳር 2020፡ ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ድማ፡ ኣዋጅ ምሕዝነትን ሰላምን ኤርትራን

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ