November 17, 2021

ሓጺር ታሪኽ ህይወት ገዲም ተጋዳላይ
ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን
ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ ኣልኣሚን

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!
ሎሚ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራን ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን መዓልቲ ረዚን ሓዘን ኢዩ። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ መዓልቲ ልዑል ሓበን። ንጕሂ፣ ሃገርና ካብ ዘፍረየቶም ጽኑዓት ተቓለስቲን መራሕቲን ዝኾነ ብጻይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፣ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን፣ ብመስዋእቲ ስለዝተፈልየና። ንሕበን ከኣ- ብታሪኹ፣ ብጕዕዞ ቃልሱ፣ ብመሪሕነታዊ ተራኡ፣ ብዕዙዝ ኣበርክቶኡ ንዓወት ሓርነታዊ ተጋድሎናን ህንጸት ናጻን ልኡላዊትን ሃገርናን።ብብልሑን ተወፋይነቱን ብቕዓት መሪሕነቱን ንዓወት ሓርነታዊ ቃልስናን ህንጸት ሃገርን ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበረ፣ ከም ሰብ ምቕሉል፡ ከም ተጋዳላይን ሓላፊን ኣብነታዊን ዓቢ መምህርን፣ ሓርበኛ ተጋዳላይ፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣልኣሚን፡ ታሪኹን ድሙቕ ሃገራዊ ኣበርክቶኡን፡ ብልዑል ክብሪ እናዘከርና ንሰናበቶ ኣሎና።ኣብ 1947 ዓ.ም.፡ ካብ ኣቦኡ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ኣልኣሚንን ኣዲኡ ሓሊማ ኣሕመዲንን ኣብ ባጻዕ ዝተወልደ ብጻይ ኣልኣሚን፣ ካብ 74 ዕድመኡ፡ 55 ዓመታት ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ህንጸት ሃገርን፣ 44 ካብኡ ኣብ ላዕለዋይ

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን