September 1, 2025
On Sep 1, 2025
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ተቓውሞ፡ “ናጽነት ዝግብኦ ህዝቢ’ዩ። ምእንቲ ረብሓና ግን ንመግዛእቲ ይፈረድ” ዝብሉ ዓመጽቲ ዘራያት ስለዝገጠምዎ፡ ቀቢጹን ቆሪጹን ብዕጥቂ ብረት ቃልሱ ክቕጽል ዝናሩ ዘስጠመላ ዕለት፡ ባሕቲ መስከረም 1961 ቅድሚ 64 ዓመታት’ዩ። ውሑድ ህዝቢ ምስ ድሩት ዓቕሚ፡ ብትብዓት ክፋለሞም ዝነበሮ መጋበርያ ስርዓት ሃይለስላሰን ዓንገልቱን ከኣ ብዝኾነ ውድዓዊ መስፈር ክዳረጎም ዝኽእል ኣይነበረን። ብዘይካ ኣይግዛእን ዝብል ሓያል መንፈስ እምብለይ፡ ዝዓብስ ዕጥቂ ዘተኣማምን ስንቂ ኣይሓዘን። ምርጫ ስለዘይነበሮ ግን፡ ክንደይ ግዜን ህይወትን