October 13, 2026

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ 9 ጥቅምቲ 2026 ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ነቲ ንሰለስተ ዓመታት ነጋሪት ዝደሰቐሉ ወራር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብወግዒ ንምጅማር፡ “ስጒምቲ ይወስድ ከምዘሎ” ኣፍሊጡ። “ነፍሰ-ምክልኻል” ብዝብል ምስምስ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ልኡላዊት ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከካይዶ ወጢኑ ዘሎ ኲናት፡ ትሕዝቶ-ኣልቦ መታለሊ ፈተነን ጸርፊ ንኣስተውዕሎ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን እዩ።ከምዝዝከር፡ ኤርትራ – ንልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ብምጥሓስ፡ “ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን” ዘንቀደ ዘይምኽኑይ ኣጀንዳ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብተደጋጋሚ ክተፍልጥ ጸኒሓ’ያ።