September 28, 2022

መልእኽቲ ሚኒስትሪ ቱሪዝም
ብኣጋጣሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ቱሪዝም

ኣህጉራዊ መዓልቲ ቱሪዝም፡ ዓመታዊ ኣብ 27 መስከረም ዝኽበር በዓል ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዛዕባ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣገዳስነት ጽላት ቱሪዝም፡ ግቡእ ርድኢት ከምዝህልዎ ንምግባር እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ቱሪዝም፡ “ሕውየት ቱሪዝም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ዓለም ንመበል 43፡ ኣብ ሃገርና ድማ ንመበል 27 ግዜኡ ተዘኪሩ ይውዕል ኣሎ። ኣህጉራዊ መዓልቲ ቱሪዝም፡ ዓመት መጽአት፡ ዘሎና ቱሪዝማዊ ጸጋታትን ካብኡ ዝምንጩ ርሒብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕድላትን እተዘኻኽረናን ጽላታዊ ራእይና ንኸነስምር ኣበርቲዕና ንኽንዓዪ ሓላፍነት እተሰክመናን ዕለት ብምዃና፡ ኣገዳስነታ ዕዙዝ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ ቀዳሞት ዓመታት ናጽነት ጀሚሩ፡ ንጽላት ቱሪዝም ከም ቀንዲ መንኰርኰር ሃገራዊ ልምዓት ብምግንዛብ፡ ክሰርሓሉ ጸኒሑን ይሰርሓሉ ኣሎን።

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie