March 29, 2020

መምርሒታት መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ

ቅልጡፍን ሓደገኛን ናይ ምልባዕ ባህሪ ዘለዎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብምልካፍ፡ ህይወት ልዕሊ 25 ሽሕ ቀዚፉ ኣሎ። ነዚ ዛጊት መድሃኒት ብዘይምርካቡ ዓቢ ጥዕናዊ ስግኣት ኰይኑ ዘሎ – ብ‘ኮቪድ-19’ ዝፍለጥ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንቕሓትን ኣፍልጦን ዜጋታት በሪኹ – ነፍሲወከፍ ዜጋ ጥዕናን ድሕነትን ነብሱ፡ ስድራ-ቤቱን ኮሙን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ንምዕዛዝ ዘካይዶ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕሪ፣ ባይታ ምስፍሕፋሕ ናይ’ቲ ሕማም ክኸውን ዝኽእል ልዕሊ 10 ሰባት ዘሳትፍ ምትእኽኻባት ደው ምባል፡ በረራታት መጓዓዝያ ምቊራጽ፡ ትካላት ትምህርቲ ምዕጻው፡ ከምኡ’ውን ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ምቊራጽ ዘጠቓልል ስጒምቲታት በብእዋኑ ክወስድ ቀንዩ። ነዚ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘቐድም እዋናውን ኣገዳስን ስጒምቲታት ብምስዓብ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተወሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ወንጌላዊት-ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን፡ ኣብ ኣፈጻጽማ ክካየድ ዝጸንሐ መንፈሳዊ

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie