October 26, 2025

ብነጉሰ ገብረመስቀል
መቸም ኩሉ ዝሓለፍ ዝነበረ ኣይመስልን’ዩ። እቲ ሎሚ ዘሎ’ውን ጽባሕ ብርግጽ ዘይነበረ ክኸውን’ዩ። እቲ ኣነ ዘርከብኩሉ ወለዶ፡ ነቲ ኸቢድ ጾር ናጽነት ኣብ መፈጸምታኡ ንኸብጽሕ ዝሓለፎ መከራ ብዝግባእ እንተዘይተጻሒፉን እንተዘይተሰኒዱን፡ እቲ ኹሉ ዝሓለፈ ትንፋስ፡ ወፍሪ ጥምዘዛ ታሪኽ ኣሰኒፍዎ ዝሕሓለፈ ኣይክመስልን’ዩ።
ኣብ ሜዳ- ህ.
.ሓ.ኤ ኸለኹ ዘተሓሳስበኒ ዝነበረ ጉዳይ እዩ። በዛ ንእሽቶይ ዓቅመይ “ዝኣመነት ልቢ”፡ ”ሴፍ”ን ከምኡ ድማ እዛ ሎሚ ዓብያን ሰፊሓን ዘላ “ካብ ናቅፋ ናብ ናቅፋ” ዘርእስተን ሰለስተ ጹሑፋት፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዘዳለዎ ናይ ስነ-ጽሑፍ ውድድርን ኣብ ካልእን ኣቕሪበ ነይረ።