August 7, 2021

መቕድም

ብኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን

“ሽግር ሶማልያ” ታሪኻዊ ዕምቈቱ ፖለቲካዊ ምዕባለኡን መጻኢ ኣንፈቱን ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ብዶክተር ሓው ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ ዝተዳለወት መጽሓፍ፡ ንህሉው ፖለቲካዊ ሽግር ሶማልያ ከም ስርዓትን ህዝብን ብጽቡቕ እተንጸባርቕ መጽናዕታዊት ጽሕፍቲ እያ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ነቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዂለን ማሕበራውያን ጒጅለታት ሶማልያ ብዘይኣፈላላይ ከሳቒ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሽግር እውን እተተኲር’ያ።
ከም’ቲ ሓው ድሕሊ ብዕምቈት ዝገለጾ፡ እቲ ብመራሕቲ እንዳታትን ቀቢላታትን ዚንቃሳቐስን ዚሳወርን ዝነበረ ፖለቲካዊ ሽግር፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ሶማልያ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ’ዩ። ዕላማኡ ድማ ንማሕበራውን ቀቢላውን ኣቃውማ ብምምዝማዝ፡ ንረብሓ ዝተውሰኑ ጒጅለታትን ደርብታትን ንምግልጋልን ንምርግጋጽን’ዩ ነይሩ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ