June 13, 2015

መቕድም

መቕድምቅድሚ 30 ዓመት፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ጀጋኑ ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪዱ ዝነበረ ዓቢ ክፍል ሰራዊት መግዋእቲ ኢትዩጵያ “ውቃው- እዝ” ዝደምሰሰሉ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ጉሉሕ ፍጻመ እዩ። “ስርሒት ምድምሳስ ውቃው-እዝ” ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ካብ ቃሮራ ክሳብ ቀጣን ንኣስታት 100ኪ.ሜ. ተዘርጊሑ ድልዱል ዕርድታት ሃኒጹዝነበረ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዕርድታቱ ቦንቊሩ ብምውጻእ፡ ኣብ ውሽጢ 49 ስዓታት፡ 70 ኪ.ሜ. ዕምቁት ገስጊሱ ንግንባር ስሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዝደምሰሰሉ፡ ብውሕሉል ወተሃደራዊ ስልቱ፡ ብበርቃዊ ቕልጣፈኡን ስፍሓት ሸፈንኡን ኣደናቒ ስርሒት እዩ።

ስርሒት ምድምሳስ “ውቃው-እዝ” ፍናን ህዝቢ ኤርትራ ብምብርኽ፡ ንጉዕዞ ሓርነት ዘቀላጠፈ፡ ሰውራ ኤርትራ ክስዓር ከምዘይክእል ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓወቱ ዘይተርፍ ምዃኑ ንፈታዊን ጸላኢን ኣነጺሩ ዘርኣየ ስርሒት ኣዩ።

ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ዝገበሮ፡ ሓደ ብቑጽሪ ኣዝዩ ውሑድ ህዝቢ፡ ብዘይ ዝኾነ ግዳማዊ ደገፍ፡ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተሞርኩሱ፡ ገዚፍ ደገፍ ርእሰ-ሓያላን ሰኒቖም ዝመጽዎ ተኸታታልቲ ስርዓታት ስዒሩ፡ ምሉእ ዓወት ዝዓተረሉ ታሪኽ ምዃኑ እዩ። ስርሒት ምድምሳስ ውቃው-እዝን ካልኦት ዓበይቲ ወተሃደራዊ ቅያታትን ከኣ፡ ነዚ ዘሓብን ታሪኽ`ዚ ዘጉልሑ፡ ወለዶታት ደቂ ኤርትራ ብኣድናቖት እናዘከርዎምን እናተሓበኑሎምን ዝነብሩ ፍጻመታት እዮም።

እዚ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመት ስርሒት ምድምሳስ ውቃው-እዝ፡ “መቐይሮ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝሕተም ዘሎ መጽሓፍ እምበር፡ ንዝኽሪ ናይቲ ነዊሕ፡ ጽንኩርን ደማዊን ምርብራብ ዝተኻየደሉ ግንባር ሰሜናዊ ምብርቕ ሳሕል ተባሂሉ ዝተሰናድኦ እዩ። ከም መእተዊ፡ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ከመይ ኢሉ ከምዝተመስረተን ኣብቲ ግንባር ዝነበረ ምርብራብን ኣብ መወዳእታ እቲ ግንባር ዝፈረሰሉ ኩነታት ብሕጽር ዝበለ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ሓፈሻዊ ታሪኻዊ መእተዊ`ዚ፡ ኣብ ማእከል ምርምርን ሰነዳን ንዝርከቡ ሰነዳት ህዝባዊ ግንባርን መግዛእቲ ኢትዮጵያን ከምኡ`ውን ብሚኒስትሪ ምክልኻል ዝተዳለወ ንስትራተጂያዊ ምዝላቕ ዝምልከት ጽሑፍ ብምምርዃስ ዝተዳለወ እዩ። እቶም ብጸሓፍቲን ተረኽቲን ቀሪቦም ዘለው ኣብ ሓቀኛ ፍጻመታት ምርኩስ ዝገበሩ ሓጸርቲ ዛንታታት ከኣ፡ ንዝተፈላለየ መድረኻት ናይቲ ቃልሲን ነቲ ስርሒትን ዘንጸባርቑ ኮይኖም ኣብ መቓን ናይቲ ኣብ መእተዊ ብሓጺሩ ሰፊሩ ዘሎ ታሪክ ናይቲ ግንባር ኣእቲኻ ዝርኣዩ እዮም።

ጽንዓትን ጅግንነትን ናይቶም ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ብዙሕ ቅያታት ዝፈጸሙ ተጋደልቲ፡ ኣብዚ ሓደ መጽሓፍ ብምልኣት ክግለጽ ዘይክእል እዃ እንትኾነ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ዝኽርታት፡ ኣብቲ መድረኽ`ቲ ንዝነበረ ህይወትን መንፈስን ተጋዳላይ ብመጠኑ ከንጸባርቕ ትጽቢት ኣሰናዳእቱ እዩ።

እዚ መጽሓፍ`ዚ ብሓልዮት ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣሕተምቲ ሕድሪን እተሰናድአ ኮይኑ፡ ናይ ብዙሓት ካልኦት ኣካላትን ውልቀሰባትን ኣበርክቶ ዝተሓወሶ እዩ። ክፍሊ ሰነዳን ምርምርን ህግደፍ፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ ማእከል ሓበሬታን ካርታን ኤርትራ፣ መወከሲ ጽሑፋት ኮነ ስእልታትን ካርታታትን ብምቕራብ ትሕዝቶን ጽባቐን ናይዚ መጽሓፍ`ዚ ኣብ ምምዕራግ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ሚኒስትሪ ምክልኻ ብሓፈሻ፡ ኣዘዝቲ ናይተን ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊትን ክፍሊ ጎስጓስን ሓበሬታን ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ`ውን ኣብቲ ግንባር ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ዝኽርታቶም ብምክፋል ኮነ፡ ውዕሎታቶም ብምዝንታው፡ ከምኡ`ውን ንጸሓፍቲ ኣገዳሲ ሓበሬታን መኣረምታን ብምስናቕ ዝገበርዎ ምትሕብባር ንኣሳልጦኡ ኣበርኪቱ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንኹሎም ኣብ ምስንዳእ ናይዚ መጽሓፍ`ዚ ዝተሳተፉ ጸሓፍቲ፡ ኣዘንተውቲ፡ ኣርታዕቲ፡ ወሃብቲ ሓበሬታን መኣረምታን ልዑል ምስጋናና ነቕርበሎም።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ