February 20, 2016

መቕድም

መቕድምነቲ ናብ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘብጽሐ ናይ 1940’ታት ታሪኽ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ከም ዝኸውን ዝገበሮ ሃደ ዓቢ ምኽንያት ኣሎ። እዚ ድማ፡ ውሳኔ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንፈደረሽን፡ ማለት`ውን ውሳነ 390/V ናይ 1950፡ ወጻኢ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኻየደን ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባረቐን ፓለቲካዊ ቃልሲ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ረብሓታትን ስትራተጂ ሓያላት ሃገራትን ስለ ዝተወስደ ኢዩ። ክልቲኡ እዚ መስርሓት እዚ፡ ነንሓድሕዱ ዝገራጮን ዘይራኸብን መስመራት ስለ ዝኽተል፡ ብሓቂ ክልተ ማዕረ ማዕረ ዝኸደ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ፡ ማለት ነቲ ናይ ህዝብና ቃልሲ ብሓደ ወገን፡ ነቲ ኣህጉራዊ ጉዕዞ፡ ማለት ነቲ ናይ ህዝብና ቃልሲ ብሓደ ወገን፡ ነቲ ኣህጉራዊ መስርሕ ከኣ በቲ ኻልእ ጠሚርና ክንገልጽ ፈቲንና ኣለና።

አብዚ ሃቐነ’ዚ ድማ ጸገም ኣጓኒፉና። ካብ’ዚ ዝተጠቕሰ ክልተ መስርሓት፡ እቲ ብፈደረሽን ዝተደምደመ ኣህጉራዊ ኣጠማምታን፡ ውሽታዊ ስምምዓትን ውዲታትን፡ ብሰነዳት፡ ጸብጻብ ኮሚስዩናት ኣርባዕተ ሓያላትን ሕቡራት መንግስታትን፡ ብጽሑፋት
ናይ ከም ጂ.ኬ.ኤን. ትረቫስኪስ ዝመሰሉ ናይቲ ጊዜ ደረስትን ሰበ ስልጣን ብሪጣንያን ብግቡእ ዝተሰነደን ዝተተንትነን ኢዩ። እቲ ብጎድኑ ዝኸይድ ዝነበረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ፓለቲካዊ ሰልፍታቱን ግን እዚ ብልጫ’ዚ የብሉን። እዚ ድማ፡ ብዘይካ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ዝርከብ ናይ’ቲ ጊዜ ጋዜጣታትን ሓደ ሓደ ሰነዳትን፡ እቲ ከም ናይ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ዝመሰለ ቃለ መጠይቓትን ዝተነጻጸለ ወረቓቕትን ዝኽርታትን፡ ሰነዳት ናይ`ተን ፓለቲካዊ ሰልፍታት ስለ ዝተጣፍኣ ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ነቲ ናይ ህዝቢ ኣተሓሳስባ፡ ድሌትን ንጥፈታትን ብደቂቕ

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን