October 24, 2026

I. ልኡላውነት ኤርትራ፡ ፍጹምን ዘይግሃስን
• ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገረ ኤርትራ ዘየማጉት፡ ዘይግሃስን ፍጹምን እዩ። ኤርትራ፡ ንልኡላውነታ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ብቅድመ-ኩነትን ጎነጻዊ ምፍርራሕን ሕድገታት ይኹን ዘተ ኣይትገብርን።
• ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሕጋዊ ይኹን “ሰናይ ክርክር” ማለት ክልቲኦም ወገናት ብቅንዕና ዝኣምኑሉ ዘዛቲ ጉዳይ የለን።
• ግሁድ ጥሕሰት ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ዶባት ኤርትራ “ንቡር ምግባር”፡ ናይ ሓንቲ ሃገር